to page
Meny

ትግርኛ

ኮሪኦግራፊ – ኢንተራክቲቭተት ፡ ስፕሮክ ፡ ኢንተግራሽን ሐደ ንጥፈት ( ፕሮጀክት) ናይ መድረኽ ስነ ጥበብ ኮይኑ ንኹሉ ክሳተፍ ዝደሊ ዕድል ዝህብ እዩ። እዚ ንጥፈት(ፕሮጀክት) ብ 10 ቆንቆታት ተተርጉሙ ዝያዳ ዕድል ነቶም ተሳተፍቲ ዝህብን ከምእውን ናይ ምርኻብ ዕድል ናይቶም ዝተፈላለየ ቆንቆታት ዝዛረቡ እዩ። እዚ ንጥፈት(ፕሮጀክት) ኻኣ ንናይ መድረኽ ስነ ጥበብ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝድህስስን ፡ ኣፍልጦ ዝዕብን፡ ዝያዳ ዝዝውተርን ከም ኡውን  ብዝተፈላለዩ ቆንቆታት ናይ መድረኽ ስነ ጥበብ ንክኸዉን ዝሰሕ ዘሎ እዩ።

ኮሪኦግራፊን ሓደ ናይ ትዋሳሳኢ ምርኢት ኮይኑ ኣብቶም ርኣይቲ (ትዓዘብቲ) ዝሙርኮስ እዩ። ኩሎም እቶም ትዓዘብቲ ናይ መስምዒ ተዋሂብዎም በቲ ዝሰምዕዎ መምርሒ ትኸቲሎም (ሰሚዑም) ምስ ኣካላቶምን ምስ ናይ ነንሕድሕዶም ብምውህሃድ ድማ ይንቀሳቐሱ (ይስዕስዑ) ። ብካልእ ኣዘራርባ ድማ ሳዕሳዕቲ ወይ ተዋሳእቲ ዝባሃሉ ኣብቲ ምርኢት የለውን እንታይ ድኣ እቶም ተዓዘብቲ እዮም ነቲ ኮሪኦግራፊን K ብሓባር ዝገብርዎ።

እቲ ሓሳብ ናይዚ ሓዲሽ ንጥፈት(ፕሮጀክት) ኣብ ኣኼባ ምስቶም ቆንቆ ሽወደን ከም ቀዳማይ ቆንቆኦም ዘይኮነ ዝመንጨወ ኮይኑ ግዳ እቲ ኮሪኦግራፊን ብሓደ ዓይነት ቅድመ ኩነት ክኸዉን ዘይኽእሎ ምኽንያት ካኣ እቲ መምርሒ ብቆንቆ ሽወድን ጥራይ ስለ ዘሎ እዩ።ማሕበር ናይ ሳዕስዒት ዮሃንሶንስ ፔላርጎነር ኦክ ዳንስ (Johanssons pelargoner och dans) ኣብ 2016 ናይ ኮሪኦግራፊን  ምርኢት ጀሚራ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ትምህርትታ ሽወደን ኣርእያ።

ነዚ ንጥፈት(ፕሮጀክት) ዝተሓባበሩ ድማ ሃኒንገ ኮሙን፡ ABF ስቶክሆልም ኦክ ኡንግ ክላራ (Haninge kommun, ABF Stockholm och Unga Klara).
ነዚ ንጥፈት (ጥሮጀክት) ብሓገዝ ናይ ኣልሜን ኣርቭስፎንደን( Allmänna Arvsfonden) ይትግበር።

ኣብዚ ኻኣ ገለ ካብ ናይ ኮሪኦግራፊን ክትሰምዕ/ዒ ትኽእለ/ሊ።

ሕቶ ወይ ኮሪኦግራፊን ክትእዝዝ/ዚ ምስትደልዩ ድማ ምስ

info@koreografin.se
0730678858